ፕሮጀክታት መፈልፈሊ ሓይሊ ኣብ ዝተትሓዘሎም እዋን ንኽዛዘሙ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሐሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሮጀክታት መፈልፈሊ ሓይሊ ኣብ ዝተትሓዘሎም እዋን ንኽዛዘሙ ይስራሕ ኣሎ ኢሉ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ፡፡

ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ንጉዕዞ ልምዓት ኢትዮጵያ ቁልፊ ዝኾነ ሓይሊ ብስፍሓት ብምፍራይ ንጠለብ ውሽጢ ሃገርን ንወፃኢ ሃገራት መሸጣን እናቕበ ይርከብ፡፡

ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካል ኣሸብር ባልቻ (ኢ/ር) ከምዝበሉዎ÷ ኣብ ቀፃሊ ቀረብ ሓይሊ እኹልን ዘተኣማምንን ንምግባር ህንፀት ፕሮጀክታት መፈልፈሊ ሓይሊ እናተወገነ ይርከብ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን መርኣያ ሓድነት ኢትዮጵያውያን ዝኾነ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ህንፀቱ ከምዝተዛዘመ ኣልዒሎም፡፡

ብተመሳሳሊ ህንፀት መፈልፈሊ ሓይሊ ንፋስ ኣሰላ ተዛዚሙ ሓይሊ ናብ ግሪድ ምእታው ጀሚሩ ኢሎም።

መፈልፈሊ ሓይሊ ንፋስ ኮይሻን ኣይሻ 2ን ኣብ ዝተትሓዘሎም እዋን ንኽዛዘሙ ብትኹረትን ብምውዳድን እናተሰርሐ ከምዝርከብ እውን ኣመልኪቶም፡፡

ብሰለሞን ይታየው

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment