ፕሮጀክታት ምዝዛም ናይዚ መንግስቲ ፍሉይ መፍለዪ ባህሪ ኢዩ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ፕሮጀክታት ምዝዛም ናይዚ መንግስቲ ፍሉይ መፍለዪ ባህሪ ኢዩ ኢሎም።

ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ዓውዲ ኮንስትራሽን መዳርግቲ ኣካላት ብምስታፍ ማሕለኻታትን ዕድላትን ብምፍላይ እቲ ዓውዲ ናብ ሓዱሽ ብራኽ ንምስግጋር ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2025 ክሳብ 2050 ዝትግበር ኢኒሼቲቭ ኮንስትራክሽን ኢንዱስትሪ ትራንስፎርሜሽን ስነ ስርዓት ዕላዊ መግበሪ ተኻይዱ።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ስነ ስርዓት ከምዝበሉዎ፤ መንግስቲ እዚ ሕልሚ ብራኸ ንምዕዋት ኮንስትራክሽን ኢንዱስትሪ ሓዊሱ ብሄራዊ ትልሚታት ልምዓት እናተግበረ ይርከብ።

እቲ ኢኒሼቲቭ ዘበናዊ፣ ተወዳዳሪን ዓለም ለኸ ደረጃኡ ዝሓለወን ኮንስትራክሽን ኢንዱስትሪ ንምፍጣር ከምዘኽእል ብምግላፅ፤ ቁልፊ ሃገራዊ ማሕለኻታት ኮንስትራክሽን ብሓባር ዝፈትሕ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ኢኒሼቲቭ ካብዚ ብተወሳኺ፤ ምውዳድ ዘያጠናኽር፣ ኩባንያታት ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ኣሰሮም ንኸዕርፉ ምቹው ኩነታት ዝፈጥር፣ ኣብ ኣፈፃፅማ ዝተመስረተ ስርዓት ኣሰራርሓ ምዘና፣ ኣፍልጦን ተሓታትነትን ብምዝርጋሕ ኣብቲ ዓውዲ ተወዳዳራይነት ዘምፅእ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ከም ሃገር ዘለና ሓሳብ ኮንስትራክሽን ዝልውጥ ኢኒሼቲቭ ኢዩ እውን ኢሎም።

ብለይኩን ኣለም

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment