ፕሮጀክትታት ብሄራዊ ፓርክ ጎቦታት ባሌ ዕድል ፈጠራ ስራሕን ዑደተኛታትን ዘስፍሑ ኢዮም – ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሮጀክትታት ብሄራዊ ፓርክ ጎቦታት ባሌ ዕድል ፈጠራ ስራሕን ዑደተኛታትን ዘስፍሑ ኢዮም ኢሎም ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)።

እቶም ቀደማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ዞባ ባሌ ኣብ ዝነበረና ናይ ክልተ መዓልታት ፃንሒት ኣብ ልምዓት መስኖን ተረባሕነት ሓረስቶትን ወሓዚ ሩባ ወልመል ካብ ዝገበርናዮ ዑደት ብተወሳኺ ናብ ጎቦታት  ባሌ ብሄራዊ ፓርክ ናይ ሃገርና ክላስተር ምርኣይ ክኢልና ኢሎም።

ኣብቲ ፓርክ ኣብ ከይዲ ህንፀት ዘለዉ ፕሮጀክታት ኣብ ሃረና ደኒ ኢኮ ሎጅ የሪራን ከባቢኡን ኢሉ እውን ስፍራታት መመገቢ፣ መገዲታት እግረኛን መኪናን ሹቓት ቡን፣ ኣዳራሻት ምግቢ ክሳብ ቱሉ ዲምቱ ስፍራታት መደያይቦ ዘካትቱ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ስፍራታት ልምዓት ዘላቒ ፕሮጀክታት ቱሪዝም ብሄራዊ ፓርክ ጎቦታት ባሌ ዕድል ፈጠራ ስራሕን ዑደተኛታትን ዘስፍሑ ኢዮም ኢሎም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment