ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ብብስራት ጉባ ዕላዊ ዝገበረቶም ፕሮጀክትታት እንትዛዘሙ ሃገር ናይ ምምዕባል ራእይ ዕላዊ ዝገብሩ ኢዮም ኢሎም ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)።
ኣብ ኩለን ክፍላተ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ “ ብስራታት ጉባ ትሩፋታት ናይ ምድማር መንግስቲ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ህዝባዊ ዘተ ተኻይዱ።
ኣብ ክፍለ ከተማ የካ ኣብ ዝተኻየደ መድኽ ዘተ ዝተረኸባ ሚኒስትር ምክልኻል ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር)፥ ከተማና ንምቕያር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ግደ ነበርቲ ልዑል ኢዩ ኢለን።
ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ብብስራት ጉባ ዕላዊ ዝገበረቶም ፕሮጀክትታት እንትዛዘሙ ሃገር ናይ ምምዕባል ራእይ ዕላዊ ዝገብሩ ኢዮም ኢሎም።
ኣብ ክፍለ ከተማ ለሚ ኩራ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ዘተ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲያዊ ባህሊ ፓርቲ ብልፅግና መለስ ኣለሙ ብተመሳሳሊ፥ መስ ናህሪ ናብሪ ብዝተዛመደ ዘለዉ ፀገማት ንምቕራፍ ሰብ ተኮር ልምዓታትን ኣፍራይነትን ጠመተ ብምሃብ ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።
ኣብ ክፍለ ከተማ ልደታ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)፥ ከም ሃገር ኢሉ ‘ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተረኸቡ ዓወታት ብሕብረትን ተሳትፎን ህዝቢ ዝተመዝገቡ ከምዝኾኑ ገሊፆም።
ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ዕላዊ ንምግባር ምትሕብባርን ሓድነትን ከምዘድሊ ምዝራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!