ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ ኣርጆ ዲዴሳ ንኣገልግሎት እንትበቅዕ ሕርሻ ዘሻግር ክኸውን ኢዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ ኣርጆ ዲዴሳ ንኣገልግሎት እንትበቅዕ ፃዕሪታት ሉኣላዊነት ምግቢን ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሓረስቶት ብምጥቃም ሕርሻ ዘሰጋግር ክኸውን ኢዩ ኢዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ ኣርጆ ዲዴሳ ከምዝጎብነዩ ብምሕባር ዝበፅሐሉ ደረጃ እውን ዘደንቕ ምዃኑ ከምዝተዓዘቡን ኣብሪሆም።

እቲ ዓብዪ ፕሮጀክት ኣብ ቀረባ ዓመታት ህንፀቱ ተቐላጢፉ ናብ ምዝዛም ተቓሪቡ ኣሎ እውን ኢሎም።

ንኣገልግሎት ዝበቕዐሉ እዋን እውን ዘተፈላለዩ ልምዓት ዝራእቲ ብምድጋፍ ከም ሃገር ዝጀመርናዮም ፃዕሪታት ሉኣላዊነት ምግቢን ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሓረስቶት ብምጥቃም ሕርሻ ዘሰጋግር ክኸውን ኢዩ ኢሎም።

እቲ ፕሮጀክት ብዘይተሓለለ ፃዕሪን ዝተሓሰበሉ ሸቶን ብምዕዋት ናብራ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ክብ ዘብል ከምዝኾነ እምነቶም ገሊፆም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment