ፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኮይሻ ካብ ድሕሪ ዝሓለፈ ዑደት ዝልካዕ ዕቤት ስራሕ ኣርኢዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኮይሻ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ካብ ዝነበረኒ ዑደት ንደሓር ዝልካዕ ዕቤት ስራሕ ኣርኢዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ሓበሬታ÷ ሎሚ መዓልቲ ገምጋም ኣፈፃፅማ ማክሮኢኮኖሚ ፈላማይ 100 መዓልቲታት 2018 ዓ.ም ዝጀመርና ኣብ ፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኮይሻ ዑደት ብምግበራ ኢዩ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ካብ ዝነበረኒ ዑደት ንደሓር ዝልካዕ ዕቤት ስራሕ ኣርኢዩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)÷ ብራኸ እቲ ግድብ 128 ሜትሮ ከምዝበፅሐ ገሊፆም።

ሓፈሻዊ ስራሕቲ ሲቪል 70 ሚኢታዊ በፂሑ እውን ኢሎም።

እዚ ዓወት ንውሕስና ፍልፍል ሓይሊ ዘለና ዘይተሓለለ ፅኑቐዕ ፃዕሪ ምስክር ዝኸውን ኢዩ ክብሉ ኣፅንኦት ሂቦም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment