ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሮጀክት ካሉብ ጋዝ ፍቕሪ ሃገር ብግልፂ ዝተርኣየሉ ስራሕ ኢዩ ኢሎም ኣካቢ ኮሚቴ ጥምር ሰራዊት ፀፅታን ኣዛዚ ኣብቲ ቀጣና ዝተዋፈረ ከፍለ ሰራዊትን ኮሎኔል ልጅኣለም ምትኩ፡፡
ኣብዚ ሐዚ እዋን ተዛዚሙ ብኽፋል ስራሕ ዝጀመረ ፕሮጀክት ካሉብ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ብሰላም ንክዛዘም ሰራዊት መክልኻልን ካልኦት ሓይሊታት ፀፅታን ብንቕሓት ብምሕላው ንውፅኢት ንክበቅዕ ምግባሮም ተሓቢሩ።
መስዋእትነት ሂወት ዝተኸፈለሉን ፍቕሪ ሃገር ብግልፂ ዘርኣየን ስራሕ ብዛዕባ ምዃኑ ኮሎኔል ልጅኣለም ምትኩ ተዛሪቦም።
ኣዛዚ ሬጅመንት ፖሊስ ፌዴራል ምድብ ምብራቕን ምክትል ኣካቢ ጥምር ኮሚቴ ፀፀታን ኮማንደር ጎይቶም ኣለም ብግደኦም፥ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ላዕለዋይ ኣካቢነት ካብ ፌዴራል ክሳብ ክልል ኣካላት ፀፅታ ተዘርጊሑ ሓላፍነቱ ይዋፃእ ከምዘሎ ኣብሪሆም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!