ፕሮጀክት ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ኢትዮጵያ ናይ ኣይኽእሉን ስብራታት ዝፀገነትሉ ኢዩ – እናትኣለም መለሰ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሮጀክት ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ኢትዮጵያ ናይ ኣይኽእሉን ስብራታት ዝፀገነትሉ ኢዩ ኢለን ብመዓርግ ሚኒስትር ሓላፊት ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ እናትኣለም መለሰ፡፡

እተን ሓላፊት እዚ ዝገለፃ ኣብቲ በጀት ዓመት ቀደማይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ከም ሃገር ዝተወገኑ ስራሕቲን ዝተመዝገቡ ዓወታትን ብዝምልከት ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ ኢዩ።

ኣብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብዝተፈላለዩ ዘፈራት ሰፋሕቲ ተግባራት ልምዓት ዝተወገነ እንትኸውን፥ ኢትዮጵያ ናይ ብራኸ ዓመት ኢላ ብዝጀመረቶ መሰረት ብምግባር እዚ ዘረጋግፁ ዓወታት እናመዝገበት ምዃና ኣልዒለን።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ እዋን ምረቓ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብ30 ቢሊየን ዶላር ዓበይቲ ሃገራዊ ፕሮጀክታት ከምዝውገኑ ምብሳሮም ኣብ መግለፂአን አዘኻኺረን፡፡

ካብ ሞንጎ እዚኦም ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ህንፀቱ ዝተጀመረ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ኢትዮጰያን ኣፍሪካን ኣይኽእሉን ዝብሉ ስብራታት ዝፀገነን ናሪ ኢትዮጵያ ዝተቐልዐሉን ኢዩ ኢለን።

ካብዚ ብተወሳኺ ኢትዮጵያውያን ብቖራፅነት ንምትግባር ድሉዋት ከምዝኾኑ ዝአየን ኣብ ኢንዱስትሪ ኣቪዬሽን ዳግም ብራኸ ኢትዮጵያ ዘረጋገፀ ከምዝኾነ ሓቢረን።

ዝተጀመሩ ካልኦት ፕሮጀክታት እውን ኢትዮጵያ ዝሓዘቶ ሕልሚ ንምዕዋት ልዑል ብፅሒት ከምዘለዎም ብምግላፅ፥ ኣብቲ ቀዳማይ መንፈቕ እቲ በጀት ዓመት ኣብ ዓውዲታት ሕርሳ፣ ኢንዱስትሪ፣ ቱሪዝምን ካልኦትን ብዙሓት ዓወታት ከምዝተመዝገቡ ኣመልኪተን።

ኢኮኖሚያዊ ዕቤትን ምዕባለን እታ ሃገር ዘረጋግፁ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ልምዓት እናተሰርሑ ይርከቡ ኢለን፡፡

ብታሪኩ ለገሰ

ምጅማር ህንፀት ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment