ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣመሓዳሪ ብሄራዊ ባንኪ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ፖሊሲ ገንዘብ ብጥቡቕ ዲሲፕሊን እናተመርሐ ፅኑዕን ስፍሕ ዝበለን ምዕባለ ይድግፍ ኣሎ ኢሎም።
ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ጎኒ ንጎኒ ዓመታዊ ጉባኤ ባንኪ ዓለምን ኣይ ኤም ኤፍን ምስ ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ዝኾኑ ሰብ ሃፍቲ ኣውሮፓ፣ ኣሜሪካን ኣፍሪካን ውፅኢታዊ ዘተ ኣሳሊጦም።
ስታንዳርድ ባንክ ግሩፕ ዝተብሃለ ትካል ኣብ ዘዳለዎ እቲ መድረኽ ዘተ፥ ኣብ ኢኮኖሚ ኣፍሪካን ጉዳያት ፖሊስን ዓምዩቕ ዘተ ተኻይዱ።
ስራሕቲ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ፣ ኩነታት ምዕባለን ዕድላት ኢንቨስትመንትን ዝጠመተ መብርሂ ናብ’ቲ መድረኽ ዘቕረቡ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)፥ እቶም ሰብ ሃፍቲ ኩነታት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብምጥማት ንዝተልዓሉ ሕቶታት ምላሽን መብርሂን ሂቦም።
ብመሰረት እዚ ሓፈሻዊ ምርግጋዕ ማክሮ ኢኮኖሚ ንምቕፃል፣ እቲ ፋይናንሻል ሴክተር ንምዝማንን እምነት ሰብ ሃፍቲ ክብ ንምባልን ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ፃዕሪ ይገብር ከምዘሎ ገሊፆም።
ሓቛፊነት ፋይናንስ ንምስፋሕን ኣብ ዕዳጋ ዝተመስረተ ስርዓት ሸርፊ ወፃኢ ንምክያድን ዝዓለመ ስራሕቲ ሪፎርም ተግባራዊ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቦም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!