ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፖሊስ ሰራዊት ጎድና ጎድኒ ልኡኽቶ ሰላም ሽም ሃገር ዘፀውዑ ስፖርተኛታት ኣብ ምብርካት ዘይትካእ ግደ የበርክትተ ኣሎ ኢለን ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፡፡
2ይ ውድድርን ፌስቲቫልን ስፖርት ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ “ልኡኽቶ ብጅግንነት፣ ስፖርት ብውፅኢት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ስታዲየም ኣበበ ቢቂላ ተጀሚሩ።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ፥ ፖሊስ ሰራዊት ካብ ልኡኽቶ ሓለዋ ሰላም ብተወሳኺ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻት ሰንደቕ ዕላማ ሃገርና ሓፍ ዘብሉ ውሩያት ስፖርተኛታት ኣብ ምፍራይ ዘይትካእ እጃም እናበርከተ ይርከብ ኢለን፡፡
እዚ ተሳትፎ ኣብ ቀፃሊ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ እውን እተን ከንቲባ ገሊፀን፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!