ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮሚሽነር ጀነራል ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገ/ሚካኤል ሰላምን ድሕንነትን ኣብ ምርግጋፅ ዘዕግቡ ዓወታት ተመዝጊቦም ኢሎም፡፡
ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ኣብ በጀት ዓመት 2018 ሃገራዊ ትልሚን ኣፈፃፅማ ስትራቴጂክ ትልሚ 5 ዓመትን ኣመልኪቱ መድረኽ ዘተ የካይድ ኣሎ።
ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል ኣብቲ መድረኽ ከምዝበሉዎ፤ እቲ ትካል ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ውፅኢታዊ ስራሕቲ ወጊኑ ኢዩ፡፡
ኣፈፃፅማ ስትራቴጂክ ትልሚ 5 ዓመት ዕዉት ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብ ዝቕፅሉ ሓሽተ ዓመታት እውን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምዝስራሕ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ኣብ ዓውዲታት ኢኮኖሚ፣ ፖለቲካ፣ ዲፕሎማሲ፣ ፀፅታ፣ ዲጂታልን ካልኦት ዘፈራትን ዘዕግቡ ዓወታት ኣመዝጊባ ኢያ ኢሎም፡፡
እቶም ዓወታት ንኽርከቡ ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ሰላምን ድሕንነትን ኣብ ምርግጋፅ ብዙሓት ዓወታት ከምዘመዝገበ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!