ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ብዝበለፀ ኣመራርሓ ስራሕ ተሸላሚ ወርቂ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ኣብ መበል ዓስራይ መዓልቲ ስቪል ሰርቪስ ኣፍሪካ ብዝበለፀ ኣመራርሓ ስራሕ ዝተመርሐ ትካል ሽልማት ብምዕዋት ተሸላሚ ወርቂ ኮይኑ።

መበል ዓስራይ መዓልቲ ስቪል ሰርቪስ ኣፍሪካ ጠሚተን ካብ ሃገራት ኣፍሪካ ዝተውፃእፅኣ ትካላት መንግስቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዋና ቤት ዕዮ ሕብረት ኣፍሪካ ኤግዚብሽን ኣካይደን።

ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ እውን ብሪፎርም ዝተዓጠቖም ቴክኖሎጂታትን ንህዝቢ እናሃቦ ዘሎ ኣገልግሎትን ኣብቲ ኤግዚብሽን ኣቕሪቡ።

እቲ ትካል ብዝበለፀ ኣመራርሓ ስራሕ ተሸላሚ ወርቂ ኮይኑ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ስቪል ሰርቪስ ኢትዮጵያ መኩሪያ ሃይሌ (ዶ/ር)፥ እቲ ውድድር ኣርባዕተ ዓውዲታት ከምዝነበርዎ ገሊፆም።

ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ዝተውሃቦ ሓላፍነት ምውፃእ ብዝብልዕ ዓውዲ ብምዕዋት  ተሸላሚ ወርቂ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብታሪኩ ለገሰ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

Comments (0)
Add Comment