ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ፍሉይን ስትራቴጂያዊን ሓይሊ ምህናፁ መርኣያ ሪፎርም ፀፅታና ኢዩ – ምክትል ጠቅላይ ሚኒስትር ተመስገን

ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ፍሉይን ስትራቴጂያዊን ሓይሊ ምህናፁ መርኣያ ሪፎርም ፀፅታና ኢዩ – ምክትል ጠቅላይ ሚኒስትር ተመስገን

አዲስ አበባ፣ ታሕሣሥ 12፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ኣብ ልኡኽቶኡ ፍሉይን ስትራቴጂያዊን ዝኾነ ኤሊት ሓይሊ ፖሊስ ምህናፁ ዓብዪ መርኣያ ሪፎርም ፀፅታና ኢዩ ኢሎም ምክትል ጠቅላይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ስነ ስርዓት ምረቓ ኣካዳሚ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ብናይ ባዕሉ ዓቕሚ ዘሰልጠኖም ኣባላት ፖሊስ ኮማንዶ (Elite Police Force) ብምርካበይ ነዚ ጅግና ፖሊስ ሰራዊት ብምዕዛበይ ዝተሰመዐኒ ሓጎስ ዕዙዝ ኢዩ ኢሎም።

መንግስትና ኣብ ዓውዲ ፀፅታ ብዝወገኖ ሰፊሕ ሪፎርም፣ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ንሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ጥንኩር ዘብዒ፣ ብሞያኡ ብቑዕን ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ፣ ብህዝቢ ፍቕሪን እምነትን ዝተሃነፀ ፕሮፌሽናል ትካል ኮይኑ ኣሎ ክብሉ ሓቢሮም።

እዚ ኤሊት ፖሊስ ሰራዊት ዝኾነ ዝተሓላለኸን ኣፀጋሚን ስግኣት ፀፅታ ኣብ ሓፂር እዋንን ግዘን ብልዑል ብቕዓት ናይ ምፍሻል ፍሉይ ዓቕሚ ዘለዎ ኢዩ ክብሉ ኣብሪሆም፡፡

ሉኣላዊነት ሃርናን ሰላም ህዝብናን ዝፈታተኑ ከበድቲ ፈተነታት ገበን ግብረ ራዕዲ ብብቕዓት ናይ ምምካትን ምቁፅፃርን ሓላፍነት ከምተነበረሉ ገሊፆም።

ሃገርና ብኹሉ መዳይ ንእተመዝግቦ ቀንዲ መሰረት ሰላምን ፀፅታን ኢዩ ዝበሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ንሰላም ክብሉ ህይወቶም ክሳብ ምግባር ዝበፅሐ መስዋእትነት ንዝኸፈሉን ሃገር ንምፅናዕ ብቖራፅነት ጠጠው ንዝበሉን ኣባላት ፖሊስ ልዑል ክብሪ ይግበኦም ኢሎም።

ኣብ ዝቕፅክ ግንቦት ዝካየድ ሃገራዊ መረፃ ሰላማዊ፣ ዴሞክራሲያዊን ናፃን ኮይኑ ንኽካየድ፣ ከም COP32 ዝበሉ ዓለም ለኻን ኣህጉራዊን መድረኻት ከምኡ እውን ድሙቓት ናይ ኣደባባይ በዓላት ብሰላም ንኽዛዘሙ ሓይሊ ፖሊስ ፌዴራል ዝተነበረሉ ታሪኻዊ ሓደራ ብብቕዓት ከምዝዋፃ ሙሉእ እምነት ኣለኒ ኢሎም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment