ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ከይዲታት ዲሞክራሲ ምስ ኣጉርና ነባራዊ ኩነታትን ተሞክሮን ዝተጠዓዓሙ ንኽኾኑ ኣፍሪካዊ ትካላት ልዑል ግደ ይፃወቱ ኢሎም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ መራሒት ጉጅለ ተዓዛቢ መረፃ ሕብረት ኣፍሪካን ነበር ፕሬዚዳንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታን መሳርሕቶምን ብምርካበይ ልዑል ሓጎስ ይስመዐኒ ኢሎም።
73 ኣባላት ዝሓዘን ልኡኽ ተዓዛቢ መረፃ ሕብርት ኣፍሪካ፤ ንከይዲ ህንፀት ዲሞክራሲና ንዘበርከቱዎ ኣገልግሎትን ኣስተዋፅኦን ልዑል ምስጋናና ነቕርብ ኢሎም።
ከይዲታት ዲሞክራሲ ምስ ኣጉርና ነባራዊ ኩነታትን ተሞክሮን ዝተጠዓዓሙ ንኽኾኑ ኣፍሪካዊ ትካላት ልዑል ግደ ከምዝፃወቱ ኣብሪሆም።
ከይዲ መረፃና ንምድጋፍ ኣብ መላእ ሃገር ተዓዘብቲ ኣብ ምውፋር እቲ ልኡኽ ንዝገበሮ ዘይተቖጠበ ፃዕሪ ኣፍልጦን ናእዳን እናሃብና፣ ትዕዝብቶም ዝተማለአ ውፅኢት ንኽህልዎ ንፅበ ኢሎም።