ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሄራዊ ጋንታ ትሕቲ 17 ዓመት ኢትዮጵያ ኣብ ሳልሳይ መፃረዪ ውድድር ፅዋዕ ምብራቕን ማእኸላይን ኣፍሪካ(ሴካፋ) መርሃ ግብሪ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊያ ኣብ ዝገብርኡ ፀወታ ብፋና+ ቴሌቪዥን ቻናል ብቐጥታ ይመሓላለፍ።
እቲ ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ፀወትኡ ሎሚ ሰዓት 10፡00 ኣብ ስታዲየም ኣበባ ቢቂላ ምስ ሶማሊያ ክጋጠሙ ኢዮም።
ኣብቲ ስታዲየም ሰዓት 7፡00 ሩዋንዳ ምስ ኬኒያ ክፃወታ ኢየን።
ብሄራዊ ጋንታ ትሕቲ 17 ዓመት ኢትዮጵያ ኣብ ምድቡ ክልተ ፀወታታት ብምስዓር 6 ነጥቢ ብምእካብ ይመርሕ ኣሎ።
ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ድማ ኣብ መድብ ክልተ ዝርከባ ጂቡቲን ብሩንዲን ሎሚ ሰዓት 10፡00 ክራኸባ ኢየን።
ምሽት ሰዓት 1፡00 ኡጋንዳ ምስ ታንዛኒያ ክጫወታ ኢየን።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!