ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)1 ጳጉሜን ኢትዮጵያውያን ብቖራፅነትን ሓድነትን ሃገርና ናብ ዝለዓለ ብራኸ ምዕባለ ንምብፃሕ ናይ ፅንዓት መንፈስና እነሕድሰሉ ዕለት ክኸውን ኢ ኢለን ሚኒስትር ምክልኻል ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር)፡፡
1 ጳጉሜን መዓልቲ ፅንዓት ንምኽባር ሚኒስቴር ምክልኻል፣ ፖሊስ ፌዴራል፣ ኣገልግሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትን፣ ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ከምኡ እውን ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ምድላዎም ዛዚሞም።
እተን ሚኒስትር ነቲ ዕለት ኣመልኪተን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ፤ ናይ ዘበናት ሕልምና ጋህዲ ኣብ ዝገበርናሉ፣ ብራኢ፣ ብዘይሕለል ፃዕሪን ብሓድነትን ዝተወለደ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ድሮ ምረቓ መዓልቲ ፅንዓት ከምዝኾነ ሓጎስና ዕፅፊ ድርብ ይገብሮ ኢለን፡፡
እቲ ግድብ ብልክት ኩርዓት ሃገር፣ መርኣያ ፅንዓት ህዝቢ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ንኢትዮጵያ ንብ ዝለዓለ ጉዕዞ ብልፅግና ንምስጋር ዘለዎ ዓቕሚ ዝለዓለ ከምዝኾነ ኩርዓት ይስመዐና ክብላ ገሊፀን።
መዓልቲ ፅንዓት ንምኽባር ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ጥበብ፣ “የጽናት ሸማኔዎቹ” ዝተሰመየ ዶክመንተሪ ፊልም፣ ዲጅታል ዓውደ ምርኢት ከምኡ እውን ካልኦት ብዙሓት መርሃ ግብሪታት ከምዝተሰናድኡ ሓቢረን።
ፅባሕ ረፋድ ሰዓት 5፡30 እንትኸውን ኩሉ ኣብ ዘለዎ ጠጠው ብምባል መዝሙር ህዝቢ ኢትዮጵያ እናተዘመረ ሰንደቕ ዕላማ ከምዝስቀል ኣመልኪተን።
ኣመራርሓ ፀፅታን ድሕንነትን ከምኡ እውን ሰራሕተኛታት ኣብ ዘለዉዎ ኮይኖም ዝኣተዉዎ ቃል ዳግም ዘሕድሱሉን ቃለ ማሕላ ዝገብሩሉን መርሃ ግብሪ ተሰናዲኡ።
ብዘመን በየነ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!