ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)10ይ ዓመታዊ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካን ሕቡራት መንግስታትን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ኢዩ፡፡
9ይ ዓመታዊ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካን ሕቡራት መንግስታትን ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሓሙድ ዓሊ ዩሱፍን ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታትን ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ኒውዮርክ ተኻይዱ፡፡
ኣብቲ ዋን ድማ ሕብርት ኣፍሪካን ሕቡራት መንግስታትን ንዓለም ለኸ ሰላም፣ ድሕንነትን ዘላቒ ልምዓትን ምሕዝነቶም ኣጠናኺሮም ንምቕፃል ቆራፅ ከምዝኾኑ ኣረጋጊፆም።
ክልቲኦም ወገናት እናተኻየዱ ዝርከቡ ዕጥቃዊ ቃልሲታ፣ ሰብኣዊ ቅልውላዋትን ዓለም ለኸ ምሽርሻር ሕጊን ኣብ ዓሚቕ ስግኣት ከምዘለዎም ብምግላፅ÷ ኣፈላላያት ንምፍታሕ ዘተ ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣፅንኦ ሂቦም።
እቶም ትካላት ኣብ ሱዳን፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ሶማሊያ፣ ሊቢያ፣ ዞባ ሳህልን ካልኦት ከባቢታትን ዘለዉ ኣፍሪካ ዝመርሖም ከይዲታት ሰላምን ንምድጋፍ ቆራፃት ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡
ኣብ ኣጀንዳ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን፣ ስራሕቲ ክሌማዊ ለውጢ፣ መካተቲ ልምዓትን ኣብ ውፅኢታ 2ይ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ብሓባር ምስራሕ ከምዝግባእ ፀሪሖም፡፡
ብወንድማገኝ ፀጋዬ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!