10ይ ፎረም ከተማታት ኣብ ከተማ ሰመራ ሎጊያ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)10ይ ፎረም ከተማታት ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ሰመራ ሎጊያ ምክያድ ጀሚሩ፡፡

እቲ ፎረም “ዕቤት ከተማታት ንልህቀት ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ እናተኻየደ ዝርከብ፡፡

ኣብቲ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ብመዓርግ ም/ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ም/ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣወል ኣርባ፣ ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓን ተረኺቦም፡፡

ካብ 6 ክሳብ 10 ሕዳር 2018 ዓ.ም ኣብ ዝካየድ ፎረም ልዕሊ 150 ከተማታት፣ ልዕሊ 10 ትካላት ንግዲን ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝተውፃእፅኣ ከተማታትን ተሳቲፈን፡፡

ብቤዛዊት ከበደ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment