10ይ ፎረም ከተማታ ኢትዮጵያ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ካብ 6 ሕዳር 2018 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ከተማ ሰመራ ሎጊያ እናተኻየደ ዝቐነየ 10ይ ፎረም ከተማታት ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ተዛዚሙ፡፡

ኣብቲ መዛዘሚ መርሃ ግብሪ፤ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፣ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣወል ኣርባ፣ ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ተረኺቦም።

ጫልቱ ሳኒ ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ÷ እቲ ፎረም ከተማታት ኣብ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት፣ ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት እንዳ ማዛጋጃ፣ ኣብ ኣተገባብራ ልምዓት ኮሪደርን ካልኦት ዓውዲታትን ተሞክሮ ዝተለዋወጣሉ ነይሩ፡፡

ኣብ ኣጠቓቕማ ከተማ መሬትን ኣተሓሕዛ ልምዓት ኣባይቲን ዘለዉ ፀገማት ንምፍታሕ እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ብምሕባር÷ ልውውጥ ልምዲ ከተማታት ብምጥንኻር ናብ ዝሐሸ ምዕባለ ምስጋር ይግባእ ኢለን።

ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ዝለዓል ቅርታ ምፍታሕ ከምዝግባእ ዝሓበራ እተን ሚኒስትር÷ ኣብ ከተማ ሰመራ ሎጊያ እናተኻየደ ዝቐነየ 10ይ ፎረም ከተማታት ዕዉት ከምዝነበረ ኣመልኪተን፡፡

ልዕሊ 140 ከተማታት ኣብ ዝተሳተፋሉ እቲ ፎረም፤ ከተማታት ኣብ 5 ምድባት ተኸፊለን ነቲ ምድብ ብዝቐረቡ መወዳደሪ መለክዒታት ተመዚነን።

በዚ ድማ ካብ ምድብ ሓደ ኣዳማ 1ይቲ፣ ቢሾፍቱ 2ይቲ፣ ሃዋሳ 3ይቲ ብምዃን እንትዕወታ÷ ኣብ ምድብ ክልተ ድማ ከተማታት ጅማ፣ ሆሳእናን ዲላን ብቕደም ሰዓብ ካብ 1ይ ክሳብ 3ይ ዘሎ ደረጃ ሒዘን፡፡

ከተማ ሸገር ኣብቲ ፎረም ፍልይቲ ተሸላሚት እንትትከውን÷ ኣሰናዳኢት ከተማ ሰመራ ሎጊያ እውን ሽልማት ተበርኪቱላ።

መበል 11 ፎረም ከተማታት ከተማ ኣሶሳ ንኽተሰናድእ ተሓርያ፡፡

ብቤዛዊት ከበደ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment