10 ብሉፃት ኣማራፂታት ሓምለዋይ ትራንስፖርትን ተሞክሮ ኢትዮጵያን …

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ምትእስሳር ቀረብ ትኹረቱ ዝገበረ ሰስተነብሊቲ ዲጂታል መርበብ ሓበሬታ ሃገራት ተግባራዊ እንተዝገብሩዎም ዝበሎም 10 ዝበለፁ ኣማራታት ተሞክሮ ሓለዋይ ትራንስፖርት ዕላዊ ገይሩ፡፡

እቶም ተሞክሮታት ዝስዕቡ ኢዮም፡-

  1. ናይ ኤሌክትሪክ መኻይን ብበዝሒ ምጥቃም
  2. ዘበናዊ ትራፊክ ማኔጅመንትን መልቲ ሞዳል ኣገልግሎት ትራንስፖርት
  3. ዘበናዊ ፕላን ከተማን ምሕደራን
  4. ንትራንስፖርት ፅዕነት ብኽለት ካርቦን ዝንኪ ነዳዲ ምጥቃም
  5. ቅልጡፍ ሎጂስቲክስ
  6. ሃይድሮጅን ነዳዲ ምጥቃም
  7. ባዮፊዩል ወይ እውን ካብ ተኽሊታት፣ ኣልጌን ረሳሕን ዝፍልፍሉ ዝሕደሱ ፈሰስቲ ጋዛት ምጥቃም
  8. ትራንስፖርት ህዝቢ ምጥቃም
  9. ሰብ ስራሕ ነደድቲ ምጥቃም
  10. መሰረተ ልምዓታት ብስክሌት ምህናፅን ብስክሌት መጥቃምን ባህሊ ምግባር

ኣብ ኢትዮጵያ ብክሌማዊ ለውጢ ለውጢ ምኽንያት ዘጋጥሙ ፅዕንቶታት ንምንካይን ንምክልኻልን ምስ ክሌማዊ ለውጢ ዝስማዕምዑ ስርዓታት ትራንስፖርት ንኽህሉ ንምግባር፤ መንግስቲ ዝተፈላለዩ ኢኒሼቲቫት ብምሕንፃፅ ናብ ስራሕ አእቲዩ ኢዩ፡፡

ንኣብነት እውን ካብ ቀረባ ዓመታት ንደሓር መንግስቲ ናይ ኤሌክትሪክ ተሽከርከርቲ ቀረብን ዝርገሐን ንምውሳኽን መሰረት ንምንባር ዕዙዝ ስጉምቲታት ፖሊሲ እናወሰደ ይርከብ፡፡

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ናይ ኤሌክትሪክ ተሽከርከርቲ ካብ ቀረፅ ናፃ መበረታትዒ ሓዊሱ ኣብቲ ዓውዲ መሰረተ ልምዓታት ብምስፍሕፋሕ ድሌት ተጠቀምቲ ናይ ኤሌክትሪክን ተሽከርከርቲን ዝሕደስ ሓይሊን ንምንቕቓሕ ሓገዝ ገይሩ ኢዩ፡፡

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ ብልምዓት ኮሪደር ዝተሃነፁ ሓምለዎት መዘናግዒታት ከምኡ እውን ናይ ሳይክልን እግረኛን መገዲታት ኣካል ናይዚ ሓምለዋይ ትራንስፖርትን ሓምዋይ ልምዓት ኢዮም፡፡

Comments (0)
Add Comment