13 ቢሊየን ብር ዝግመት ኣገልግሎት ወለንታ ተበርኪቱ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ካብ መሓዙት ልምዓትን ህዝቢን ንምምህዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ 13 ቢሊየን ብር ዝግመት ኣገልግሎት ወለንታ ተበርኪቱ ኢለን ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ።

እተን ከንቲባ “ብትግሃት ንኣዲስ ኣበባ ናብ ዝለዓለ ዓወት!” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝሓለፉ መዓልቲታት እናካየዶ ዝነበረ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕቲ መንግስቲን ፓርቲን ቀዳማይ ሽዱሽተ ወርሒ በጀት ዓመት 2018 ብዓወት ዛዚምና ኢለን።

ኣብቲ ገምጋም ድማ ንኣዲስ ኣበባ ንፅህቲ፣ ሓምለወይቲን ውቅብቲን፤ ንነበርታ ምቹውቲን ዘበናዊትን ከተማ ንምግባር ዝተወገኑ ዘበረታትዑ ውፅኢታት ርኢና ክብላ ሓቢረን።

ንኣብነት ድማ 134 ኪ.ሜ ሓደሽቲ መገዲታት ከምዝተሃነፁ ብምግላፅ÷ ልዕሊ 573 ኪ.ሜ መገዲታት ፅገና ከምዝተገበረሎም ኣመልኪተን።

ኣብ ዓውዲታት ትምህርቲ፣ ጥዕናን ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ዓውዲታትን እናዓበዩ ዝኸዱ ጠለባት መሰረት ዝገበሩ 274 ፕሮጀክታት ኣብ ከይዲ ህንፀት ከምዝኾኑ ፀሪሐን።

ኣብ ልምዓት ኮሪደርን ወሰን ሩባን ስራሕቲ እውን ከተማና መሊስና እናሃነፅና፣ ካብ ከተማና ሓሊፍና ምስሊ ሃገርና ቀይርና ብምባል ዝገለፃ እተን ከንቲባ÷ ንነበርተና 12 ሺሕ መንበሪ ገዛን ናይ ንግዲ ቦታን ብምህናፅ ንተጠቀምቲ ኣመሓላሊፍና ኢለን።

ተሳትፎ ወለንታ ብዝምልከት እውን ብዝለዓለ ኩነታት ብምድንፋዕ ካብ መዳርግቲ መሓዙት ልምዓት ህዝቢን 13 ቢሊየን ብር ዝግመት ኣገልግሎት ወለንታ ብምብርካት ልዑል ምሕዝነት ህዝቢ ዝተርኣየሉ ነይሩ ክብላ እውን ኣመልኪተን።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment