131 ሺሕ 14 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ በጀት ዓመት 2017 ዓ.ም 131 ሺሕ 14 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ንክምለሱ ተገይሩ ኢሉ፡፡

ውሃቢ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ዓመታዊ ተግባራት ዲፕሎማስያዊን ሰሙናዊ ንጥፈታትን ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ ኣብዚ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ን968 ጎረባብቲ ሃገራት ተማሃሮ ብነፃ ዕድላት ላዕለዋይ ትምህርቲ ተዋሂቡ ኢሎም።

እዚ ድማ ካብቶም ኢትዮጵያ ዞባዊ ርክብ ንምጥንኻር ትሰርሖም ዘላ ተግባራት ውሽጢ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ኣብዚ በጀት ዓመት 131 ሺሕ 14 ዜጋታት ናብ ሃገሮም ንክምለሱ ምስርሑን ብክልተኣውን በዓል ብዙሕ ብዙሕነታውን ዲፕሎማስያዊ ስራሕቲ ከምዝተኻየዱን ሓቢሮም።

ኣምባሳደር ነብያት ብተወሳኺ ኣብዚ በጀት ዓመት ሓባራዊ ረብሓ ዘረጋግፁ 198 ስምምዕነት ምፍፃሞም ገሊፆም፡፡

ብአሸናፊ ሽብሩ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment