ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)14 ሃገራት ዝሳተፋሉ 7ይ ዓውደ ምርኢት ንግዲ ‘ኣግሮ ፉድ’ ካብ 12 ክሳብ 14 ሰነ 2017 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ኢዩ፡፡
ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ፣ ፌርትሬድን ፕራን ኢቨንትስ ጀርመንን ብሓባር ኣብ ዘካይዱዎ ዓውደ ምርኢት÷ ዓለም ለኸ ሕብሻ፣ እታወታት ቴክኖሎጂ ምግቢን መስተን ከምኡ እውን መዕሸጊ ቴክኖሎጂ ፕላስቲክ፣ ሕትመትን ካልኦት ፍርያታትን ንምርኢት ክቐርቡ ኢዮም።
ቻይና፣ ጀርመን፣ ህንዲ፣ ጣሊያን፣ ፖላንድ፣ ስዑድ ዓረብ፣ ቱርኪን ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብ ሓዊሱ 14 ሃገራት ዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 130 ትካላት ኣብቲ ዓውደ ምርኢት ብምስታፍ ፍርያትን ኣገልግሎቶምን ከቕርቡ ኢዮም።
ካብዚ ብተወሳኺ ምርኢት ንግዲ ምግቢ ኢትዮጵያን ምርኢት ንግዲ ቡን ኢትዮፒካን ጎድና ጎድኒ እቲ አውደ ምርኢት ከምዝካየዱ ተገሊፁ።
ብዮናስ ጌትነት