15 ሚሊየን ተረባሕቲ ዲጂታል መለለዪ ማንነት ፋይዳ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)15 ሚሊየን ተረባሕቲ ዲጂታል መለለዪ ማንነት ፋይዳ ከምዝኾኑ ዋና ዳይሬክተር እቲ ፕሮግራም ኣይተ ዮዳሄ ዘሚካኤል ገሊፆም።

ዓመታዊ ጉባኤ ኣይዲ ፎር ኣፍሪካ 2025 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

እቶም ዋና ዳይሬክተር ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ዕዉት ኣተገባብራ ፋይዳ ካብ ቁፅሪ ሓሊፉ ንዲጂታላይዜሸን ኢትዮጵያ ወሳኒ ዝኾነ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ዲጂታል ቀላሕተ ዝገበረ ኢዩ ኢሎም።

ቁርፀኛ ኣመራርሓ ፖለቲካ ምህላው፣ ሰርዓት መረዳእታ ውሽጢ ዓዲ ብምፍጣርን ሰብ ሞያ ብምብቃዕን ከምኡውን መስ ዝተፈላለያ ትካላት ሽርክና ብምጥንኻር ዝተሰርሑ ስራሕቲ ነቲ ዝተረኸበ ኣፈፃፅማ ውፅኢት ልዑል ኣስተዋፅኦ ምብርካቶም ተዛሪቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ()ዶ/ር) ብሄራዊ መለለዪ ማንነት ንሃገራዊ ልምዓት ኣጀንዳ ቁልፊ ከምዝኾነ ኣፅንኦት ብምሃብ ዘይተቛረፀ ደገፍ ክገብሩ ከምዝፀንሑ እቶም ዋና ዳይሬክተር ገሊፆም።

ስርዓት ዲጂታል መለለዪ ማንነት ፋይዳ ተግባራዊ ኣብ ዝኾንሎም ትካላት ኣገልግሎት ንምሃብ ዝነበረ እዋን ክሳብ 60 ሚኢታዊ ምቕናስ ከምዝተኽኣለ ሓቢሮም።

ብሃይለማርያም ተገኝ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment