ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)2ይ ኣኼባ ኮሚሽን ሓበራዊ ሚኒስትራት ኢትዮጵያን ብሩንዲን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ፡፡
እቲ ኣኼባ ኣብ ዓውዲታት ፖለቲካ፣ ኢኮኖሚ፣ ምክልኻልን ፀፅታን ዘድሀቡ ስምምዕነታት ንምፍፃምን ሓደሽቲ ናይ ምትሕብባር ዓውዲታት ንምፍላይን ዝዓለመ ኢዩ፡፡
ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ዋፃኢ ዳይሬክተር ጀኔራል ጉዳያት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ዘሪሁን ኣበበ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ እቲ መድረኽ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዘኽእል ኢዩ፡፡
ኣብ ዓውዲታት ኣቪዬሽን፣ ሐርሻ፣ መሰረተ ልምአዓት፣ ሓይሊን ኢንዱስትሪን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ብሓባር ንምስራሕን ሓበራዊ ተረባሕነት ንምስፋሕን ከምዝሕግዝ እውን ተዛሪቦም፡፡
ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ቡሩንዲ ዳይሬክተር ጄኔራል ክልተኣዊ ርክብ ኣምባሳደር ኤጊድ ንዲኩሪዮ ብግደኦም፥ እዚ ኣኼባ ኣብ ሞንጎ ከልቲአን ሃገራት ዘሎ ጥንኩር ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዝሕግዝ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡