ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) “ቀረብ ሎጂስቲክስ ንዞባዊ ምትእስሳር ንግዲ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ 2ይ ዋዕላ ምስፍሕፋሕ ንግዲ ኢትዮ-ጅቡቲ ኣብ ጅቡቲ ይካየድ ኣሎ።
እቲ ጉባኤ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ጅቡትን ምትሕብባር ሎጂስቲክስ ንምዕባይ ዝዓለመ እንትኾን፤ ምክትል ፕሬዚዳንት ዘፈር ንግዲ ማሕበራት ኢትዮጵያ ኣይናለም ኣባይነህ (ዶ/ር)፣ ሚኒስትር ንግድን ቱሪዝምን ጅቡቲ መሓመድ ዋርሳማ ዲሬህን ከምኡ እውን ሓለፍቲ ዘፈር ትካላት ተረኺቦም።
ፕሬዚዳንት ማሕበር ዘፈር ሎጂስቲክስ ኢትዮጵያ ኤልሳቤት ጌታሁን ኣብቲ ጉባኤ ኣብቲ ዓውዲ ዝረኣዩ ፀገማት ብምትራፍ ቀፃሊነት ዘለዎ ዕብየት ንምቅልጣፍ ከምዝረድእ ተዛሪበን፡፡
ሚኒስትር ንግድን ቱሪዝምን ጅቡቲ መሓመድ ዋርሳማ ዲሬህ ብወገኖም እቲ ጉባኤ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ንግዳዊ ምትሕብባር ብምዕባይ ኮሪደር ኢትዮ-ጅቡቲ ዝያዳ ውፅኢታዊ ከምዝገብርን ምዃኑ ገሊፆም።
ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ምትእስሳር፣ ምትሕልላፍ ፍልጠትን ስትራተጂካዊ ምትሕብባርን ዝፈጥር መድረኽ ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡
ብኣሸናፊ ሽብሩ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!