ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ እተተኣናግዶ 2ይ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ኣፍሪካ ሃገርና ዘዕወተቶም ጭቡጣት ልምዲታት ተካፍለሉ መድረኽ ኢዩ ኢሉ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ፡፡
2ይ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ኣፍሪካ ብኣሰናዳእነት ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ይርከብ፡፡
እቲ ኣገልግሎት ካብ ሎሚ መዓልቲ 3 ጳጉሜን ክሳብ 5 ጳጉሜን 2017 ዓ.ም ኢትዮጵያ ተተኣናግዶ 2ይ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ኣፍሪካ ኣመልኪቱ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ጥራሕ ልዕሊ 48 ቢሊየን ፈልሲታት ብምትካል ክሌማዊ ለውጢ ንምፅር እናሰርሐት ትርከብ ኢሉ፡፡
እቲ ኣገልግሎት ኣብ መግለፂኡ፤ መላእ ኢትዮጵያውያን ብተኸታታሊ ዓመት ኣብ ዝገብሩዎ ዕዙዝ ተሳትፎ ናይ ባዕሎም ክብረ ወሰን እናመሓየሹ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ልዕሊ 700 ሚሊዮን ፈልሲታት ክተኽሉ ክኢሎም ኢሉ፡፡
እዚ ድማ ንዓለም ትምህርቲ ክኸውን ዝኽእል ተበግሶን ቆራፅነትን ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡
ኢትዮጵያ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ኣፍሪካ እንትተተኣናግድ፤ እቲ ጉባኤ ጭቡጥ ለውጢ ዘምፅኡ ሓሳባት ዝንሸራሸሩሉ፣ ኣፍሪካ ንክሌማዊ ለውጢ ኣስተዋፅኦኣ ኣብዚ እቶ ዘይበሃል ኮይኑ እናሃለወ በቲ ጉድኣ ኣዚያ እናተጎድአት ከምዝኾነት ተፈሊጡ መከሓሓሲን መስተኻኸሊን ስጉምቲ ዝውሰደሉ ንኽኸውን በርቲዓ ክትሰርሕ ኢያ ኢሉ፡፡
ኢትዮጵያውያን ባህሊ ምቕባል ጋሻ የሃልዎም እምበር ኣፍሪካውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ድማ ከም ስድራ ብምትእንጋድ ፃንሒቶም ዝወቀበን ዕዉትን ንኽኸውን ክንገብር ኢና ኢሉ እቲ መግለፂ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!