2 ሺሕን 900 ሜትሮ ዝነውሕ ድልድል

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ቻይና እናተሃነፀ ዝርከብ ነዊሕ ድልድል ኣብ ቀረባ እዋን ተዛዚሙ ንኣገልግሎት ክበቅዕ ኢዩ።

ኣብ ደቡብ ምዕራብ ቻይና ግዝኣት ጉዊዡ ዝተሃነፀ ነዊሕ ድልድል ናብ ስራሕ ቅድሚ ምእታዉ ፍተሻ እናተገበረሉ ይርከብ።

ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ መዓልቲታት ናይ ምሽካም ዓቕሙ ዝተፈተሸ እቲ ድልድል ዝተሓሰበሉ ኣገልግሎት ንመሃብ ዘኽእል ዘተኣማምን ዓቕሚ ከምዘለዎ ተረጋጊፁ ተባሂሉ፡፡

መሃንዲሳት ህንፀት እቲ ድልድል ከምዝበሉዎ÷ ዓቕሚ እቲ ድልድል ንምፍታሽ 96 ናይ ፅዕነት ተሽከርከርቲ ብሓደ ግዘ ተኸታቲለን ክሓልፋሉ ተገይሩ።

ህንፀት እቲ ድልድል መለክዒታት ድሕንነት መገዲ ሓዊሱ ደረጃኡ ሓሊዩ ዝተወገነ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ዓለም ዝነውሐ ድልድል ንኽበሃል ኣብ ድሮ ፍፃመ ዝርከብ እንትኸውን፤ ካብ መሬት ዘለዎ ንውሓት 1 ሺሕን 420 ሜትሮ ሓዊሱ ሓፈሻዊ ንውሓቱ 2 ሺሕን 900 ሜትሮ ከምዝኾነ ሲጂቲኤን ፀብፂቡ፡፡

ብሚኪያስ ኣየለ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment