2 ነጥብ 3 ቢሊየን ዶላር ኢንቨስትመንት ናብ ሃገር ምስሓብ ተኻኢሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ኣብዚ በጀት ዓመት ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ 2 ነጥቢ 3 ቢሊየን ዶላር ኢንቨስትመንት ናብታ ሃገር ከምዝሰሓበ ተገሊፁ።
ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ዘለቀ ተመስገን (ዶ/ር) ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ንዘጋጠመ ዕንቅፋታት ንምፍታሕ ከም ሃገር ብዙሓት ተግባራት ተኻይዶም እዮም።
ዋሕዚ ኢንቨስትመንት ንምዕባይ ብሳልሳይ ኣካል ዝተፀረገ መሬት ብምድላውን ናይ ስርሒት ክፍተት ብምምላእን ጥርዓን ኢንቨስተራት ከምዝተፈትሐን እዚ ድማ ሸርፊ ወፃኢ ክውስኽ ኣኽኢሉ ኢሎም፡፡
ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ 2 ነጥቢ 3 ቢሊየን ዶላር ናብ ውሽጢ ሃገር ንምእታው ከምዝተኽኣለ እዙይ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ክነጻጸር እንከሎ ልዕሊ 20 ሚእታዊት ወሰኽ ከምዘርኣየን ኣመልኪቱ።
ብሰብለ አክሊሉ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
Comments (0)
Add Comment