ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ይዛዘም ኣብ ዘሎ 2017 ዓ.ም ኢትዮጵያ ብኹሎም ዓውዲታት ዓወታት ዘመዝገበትሉ ዓመት ኢዩ ኢሎም ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)።
እቶም ሚኒስትር ናይ 2017 ዓ.ም ባጀት ዓመት ዓበይቲ ናይ መንግስቲ ተግባራት ከምኡውን ናይ ዝቕፅል ዓመት ተስፋታት ጠሚቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ኣብ ናይ ለውጢ ዓማውቲ መንግስቲ ብጠንካራ ኣካይዳ ልምዓትን ሓቛፊ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ዓወታት ኣመዝጊቡ ኢዩ ኢሎም።
ብዘላቒ ሃገር ቦቆል ሪፎረም ብምምራሕ፣ ፍሪያት ክብ ብምባል ከምኡውን ሉእላውነት ምግቢ ብምርግጋፅ ጭቡጣት ዓወታት ከምዝተመዝገቡ ገሊፆም።
ኣብቲ ዝተዛዘመ ዓመት ብጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ብዙሓት ናይ ኣታዊ ፍሪያታት ብወሽጢ ዓዲ ምትካእን ንግዲ ወፃኢ ምዕባይን ከምዝተኽኣለ ተዛሪቦም።
ብጭቡጥ እውን ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ብምግባር ናይ ወልቀ ዓውዲ ኣብ ኢኮኖሚ ተሳታፊ ብምግባር፣ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰርን ክሊማዊ ለውጢን ዕዉት ስራሕቲ ከምዝተፈፀሙ ሓቢሮም።
ብድምር 2017 ዓ.ም ኢትዮጵያ ብኹሎም ዓውዲታት ዓወታት ዘመዝገበትሉ ዓመት ኢዩ ኢሎም ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ኣብ መግለፂኦም።
ብሚኪያስ ኣየለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!