ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) 2017 ዓ.ም ይከኣል ኢዩ ተባሂሎም ዘይተሓሰቡ ጉዳያት ዝተወገኑሉ ናይ ዓወት ዓመት ነይሩ ኢሎም፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ 6ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 5 ዓመት ዘበን ስራሕ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝቐረቡሎም ሕቶታት ምላሽን መብርሂ እናሃቡ ይርከቡ፡፡
ኣብ መብርሂኦም ድማ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ሕርሻ ዝመርሖ ፖሊሲ ከምዝነበረ ብምሕባር፤ እዚ ናብ ብዝሃ ዓውዲ ብምልዋጥ ኣዚዩ ዕዉት ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡
በዚ ድማ ዝሓለፈ ዓመት 2017 ዓ.ም ይከኣል ኢዩ ተባሂሎም ዘይተሓሰቡ ጉዳያት ዝተወገኑሉ ናይ ዓወት ዓመት ነይሩ ኢሎም፡፡
ኣብ ሓደ ሴክተር ተደሪኽካ ምስራሕ ካብ ዓዘቕቲ ድኽነት ስለዘየውፅአና ኣብ ብዝሃ ዓውዲ ብምኽታልና ውፀኢት ኣምፂእና ኢና ኢሎም፡፡
በዚ ድማ ዝሓለፈ ዓመት 2017 ዓ.ም ይከኣል ኢዩ ተባሂሎም ዘይተሓሰቡ ጉዳያት ዝተወገኑሉ ናይ ዓወት ዓመት ነይሩ ኢሎም፡፡
ሕርሻ፣ ኢንዱስትሪ፣ መዓድን፣ ቱሪዝምን ቴክኖሎጂን እዞም ሓሙሽተ መሪሕ ሴክተራት ብዝሃ ዓውዲ ኮይኖም እንተተመሪሖም ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ከመሓይሹ ይኽእሉ ኢዮም ዝብል እምነት ነይሩና ክብሉ ኣብሪሆም፡፡
ብዝሃ ዓውዲ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ መሰረታዊ ውፅኢት ንኸምፅእ መንግስቲ ምስ መሓዙት ትካላት ተኣሳሲሩ ዕቤት ኢትዮጵያ ብምቅልጣፍ ክሰርሕ ኢዩ እውን ኢሎም፡፡
መንግስቲ ምስ ህዝቢ ተኣሳሲሩ ልምዓት ኢትዮጵያ በቢዓውዱ ከቀላጥፍ ኣለዎ፤ ብብርኪ መንግስቲ ግልፂ ኣንፈት ዝተቐመጠሉ ድሕሪ ለውጢ ኢዩ ክብሉ ሓቢሮም፡፡
ኢትዮጵያ ምንቅስቓስ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት 48 ቢሊየን ፈልሲታት ተኺላ ኢያ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እዚ ድማ ካብ ዓለም ዝዓበየ ልምዓት ደኒ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡
ንሕድሕድ ፈልሲ ዶላር ዶላር እንተዝወፅእ ብድምሩ 48 ቢሊየን ዶላር ንክሌማዊ ለውጢ ኢንቨስት ከምዝገበረት ተዛሪቦም፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ ክንድዚ ዘኣክል ገንዘብ በይኑ ከዕውቶ ኣይኽእልን ነገር ግን ልዕሊ 25 ሚሊየን ዝግመቱ ኢትዮጵያውያን በቢዓመቱ ግዘኦምን ጉልበቶምን እንተይሰስዑ ብምስረሖም እዚ ዘኣክል ሃፍቲ ከውፅእ ዝነበረ ስራሕ ብዝተዋደደ ስራሕ መንግስቲን ህዝቢን ምዕዋት ተኻኢሉ ኢሎም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!