2018 በጀት ዓመት ረቂቕ በጀት ኣብ ቀፃሊ ዓመታት ዝህልው ማክሮ ኢኮኖሚ ትንበያ ማእከል ዝገበረ እዩ – ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) 2018 በጀት ዓመት ረቂቕ በጀት ኣብ ቀፃሊ ዓመታት ዝህልው ማክሮ ኢኮኖሚ ትንበያ ማእከል ዝገበረ ምዃኑ ሚኒስትር ገንበዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም፡፡

ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ዝተማልአ ምምሕያሽ ኣፋፃፅማ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ካልኦት ኢኮኖሚያዊ ጉዳያትን ዙርያ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ኣፈፃፅማ ፕሮጀክትታት መንግስቲ ብቕልጡፍን ብፅርየትን ደረጃ ምዕባዩ ተዛሪቦም።

ኣብ ኣፈፃፅማ ፕሮጀክትታት መገዲ ዘዕግብ ስራሕቲ ከምዝተሰርሐ ብምሕባር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 22 ሺሕ ኪሎ ሜትር ዝሽፍን ፕሮጀክትታት መገዲ ኣብ ህንፀት ምዃኖም ገሊፆም።

ኣብ ልምዓት መስኖ ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ከምዝተመዝገበን ዝተጀመሩ ፕሮጀክትታት ንምዝዛም ይስራሕ ከምዘሎን ተዛሪቦም።

መባፅሕ ቱሪዝም ልምዓት ኣብ ዝተሓሰበሉ ግዘን ብዝድለ ፅሬትን ይትግበር ከምዘሎን ብምሕባር፤ በዙይ እውን ብዙሓት ተዛዚሞም ናብ ኣገልግሎት ምእታዎም ገሊፆም፡፡

ዝተማልአ ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚያዊ ስዒቡ ተመን ዋጋ ሸርፊ ወፃኢ ብዕዳጋ ምውሳን ካብ ዝተጀመረሉ ግዘ ኣትሒዙ ምስ ፖሊሲ ዝተተሓሓዙ ኮንትሮባንድ ብልዑል ኩነታት ምንካዩ ተዛሪቦም፡፡

ምምሕያሹ ስዒቡ ኣብ ንግዲ ወርቂ እታወታት ዝነበረ ፀገም ኮንትሮባንድ ምፍትሑ ኣረዲኦም፡፡

ኢትዮጵያ ምስ ሃገራት እቲ ዞባ እትገብሮ ንግዳዊ ርክብ፣ ምትእስሳር መሰረተ ልምዓትን ቀረብ ኢነርጂን ተጠናኺሩ ምቕፃሉ ኣብራህሪሆም፡፡

2018 በጀት ዓመት ረቂቕ በጀት ኣብ ቀፃሊ ዓመታት ዝህልው ማክሮ ኢኮኖሚ ትንበያ ማእከል ዝገበረ፣ ዓቕሚ እቶት መንግስቲ ብምትንባይ፣ ዝህልው ካልኦት እቶት ኣብ ግምት ብምእታውን ድሌት ወፃኢታት መንግስቲ ብምትንታንን ከምዝተዳለወ ምዃኑ ገሊፆም።

እቲ በጀት ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ምቕፃል፣ ማሕበራዊ ድጎማታትን ዝተረጋግዐ ማክሮ ኢኮኖሚያዊ ኣብ ምቕፃል ኢሉ እውን ካልኦት ተግባራት ብውፅኢታዊነት ኣብ ምትግባር ልዑል ረብሓ ዘለዎ ምዃኑ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

Facebook FBC Tigrigna

Website www.fanamc.com/tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana

 

 

Comments (0)
Add Comment