ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ዝተዛዘመ 2018 ዓ.ም ኣብ ኢትዮጵያ ሃገረ መንግስቲ ንምፅናዕን ንህንፀት ዴሞክራሲን ፅኑዕ መሰረት ዝተነበረሉ ዓመት እዩ ኢሉ።
ሚኒስተር ደኤታ እቲ ኣገልግሎት ከበደ ደሲሳ፤ ኣብ በጀት ዓመት 2018 ዝተመዝገቡ ዓበይቲ ሃገራዊ ዓወታትን ዝቕፅሉ መዓልቲታት ጳጉሜን ብኸመይ ከም ዝኽበሩን ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም።
ኣብቲ መግለፂጺኦም ድማ፤ ሃገረ መንግስቲ ንምፅናዕን ሰበባት ጎንፂ ንምንካይን ብዝምልከት ሃገራዊ ዘተ ዝተኻየደ ኣብዚ ዓመት ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።
ኣብ ሓፈሻዊ መረፃ ድማ ካብ 54 ሚልዮን ንላዕሊ መረፅቲ ከም ዝተሳተፉ ብምግላፅ 2018 ዓ.ም ንህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ፅኑዕ መሰረት ዝተነበረሉን ኢትዮጵያ ጉዕዞ ምብራኽ ዝጀመረትሉን ከም ዝነበረን ኣገንዚቦም።
እቲ ዓመት ዓበይቲ ሃገራዊ ፕሮጀክታት ናብ ስራሕ ዝኣተዉሉን ዝተዛዘሙሉን ዓመት ከም ዝነበረ ድማ ኣብሪሆም።
ንኣብነት ህንፀት ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ምዝዛሙ፣ ከምኡ እውን ኣብ ቢሾፍቱ ዝርከብ ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ፣ ፋብሪካ ዘበናዊ ድዅዒን ካልኦት ዓበይቲ ፕሮጀክታትን ናብ ህንፀት ምእታዎም ፀሪሖም።
ኣብቲ በጀት ዓመት 1 ነጥቢ 5 ትሪልዮን ብር ኣታዊ ከም ዝተኣከበ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር 67 ሚእታዊ ከምዝወሰኸ ኣብሪሆም።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብቲ በጀት ዓመት 10 ነጥቢ 2 ቢልዮን ዶላር ካብ ንግዲ ወፃኢ ኣታዊ ምርካብ ከም ዝተኻእለ ገሊፆም።
4 ነጥቢ 4 ቢልዮን ዶላር ካፒታል ዘመዝገቡ ሓደሽቲ ሰብሃፍቲ ናብ ስራሕ ከምዝኣተዉ ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር ደኤታ፤ 13 ነጥቢ 2 ቢልዮን ዶላር ምስ ዘመዝገቡ ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ሰነድ ስምምዕ ኢንቨስትመንት ከም ዝተፈረመ ኣልዒሎም።
ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ሉኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ ኣብ ዝካየድ ጉዕዞ ዓብዪ ዓወት ከምዝተመዝገበ ብምሕባር፤ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ንምዝማን ብዝተሰርሐ ስራሕ ልዕሊ 100 ማእኸላት ሓደ ማእኸል ኣገልግሎት መሶብ ናብ ስራሕ ከምዝኣተዉ እውን ኣብሪሆም።
ብመልካም ፈቃዱ