Browsing monthly archive

August 2021

ሸሊኾም ዝኣተዉ ናይ ጉጅለ ራዕዲ ሸሞንተ ኣባላት ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ሸሊኾም ዝኣተዉ ናይ ጉጅለ ራዕዲ ሸሞንተ ኣባላት ኣብ ቁፅፅር ምውዓሎም ናይ ደሴ ከተማ ምምሕዳር ኣፍሊጡ። ከንቲባ እታ ከተማ ኣይተ ኣበበ ገ/መስቀል፥ ህወሓት ኢትዮጲያዊነት ንክዳኸም ዘይፈንቀሎ እምኒ የለን። ሐዚ ድማ ዝፍፅሞ ዘሎ ግልፂ ወረራ ንምምካት ናይ ደሴ ከተማ ዝተፈላለዩ ግብረ ሓይሊታት ብምቁቛም እቲ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንምድምሳስ ሰፊሕ ምድላው እንትገብር ፀኒሑ ናብ ስራሕ ተኣቲዩ ኢዩ ኢሎም። ናይቲ ከባቢ ሰላምን ድሕንነትን ካብ ሰሪጎም ዝኣትዉ ብምሕላው ኣብ ኬላ ተፍቲሽ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ኣሰሳ ተገይሩ 354 ተጠርጠርቲ ተታሒዞም ጉዳዮም ይፃረ ኣሎ ዝበሉ እቶም ከንቲባ፥ ሸሞንተ ዝኾኑ ምስቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ርክብ ዝነበሮም ኢዮም ኢሎም። ናብቲ ከተማ 100 ሺሕ ዝኾኑ ተፈናቐልቲ መፅዮም ኢዮም ዝበሉ እቶም ከንቲባ፥ ናይ ደሴ ከተማ ህዝቢ ሰፊሕ ድጋፍ ይገብር ከምዘሎ ገሊፆም ክብል ኢቢሲ ፀብፂቡ። እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦ ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/ ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ! ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Read more

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ህወሓት ዘዋፈሮም ግብረ ራዕዳውያን ብመሓዝ ናብ ሕጊ ንምቕራብ ዘኽእል ግብረ ሓይሊ ተጣሳይሹ ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ህወሓት ዘዋፈሮም ግብረ ራዕዳውያ ብመሓዝ ናብ ሕጊ ንምቕራብን ብዝተዋደዱ ገበናት ዝሰሳተፉን ኣካላት ብምቁፅፃርን ልዕልነት ሕጊ ምዕሳል ዘኽእል ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ተጣይሹ። እቲ ግብረ ሓይሊ ብቢሮ ምርመራ ገበን ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ዝምራሕ እንትኸውን፥ ኩሎም ክልላት ኣብ ካልኦት ጎረባብቲ ክልላት ምስ ዝርከቡ ዘፈራት ምርመራ ገበን ኣብ ሓደ ዘጣመረ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡ ሓላፊ ቢሮ ምርመራ ገበን ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ምክትል ኮሚሽነር ጄነራል ዘላለም መንግስቴ፥ እቲ ግብረ ሓይሊ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እታ ሃገር ህወሓት ዘዋፈሮም ግብረ ራዕዳውያን ብመሓዝ ናብ ሕጊ ካብ ምቕራብ ሓሊፉ ብዝተወደቡ ገበናትን ብኻልኦት ጥሕሰት ገበናትን ዝሳተፉ ኣካላት ብምቁፅፃር ልዕልነት ሕጊ ዝዓሰላ ሃገር ንምቕፃል ልዑል ረብሓ ከምዝህልዎ ኣብሪሆም፡፡ ትካል ፖሊስ ብብርኪ ሃገር ተዋዲድካ ምስራሕ እዋኑ ዝሓቶ ኣገልግሎት ንህዝቢ ተበፃሒ ንምግባር ዘይትካእ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ እቶም ምክትል ኮሚሽነር ገሊፆም። ብዝተኻየደ ግምገማ 1 ሺሕን 642 ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ዝገለፁ እንትኾኑ፥ ነቲ ግብረ ራዕዲ ዘይሕጋዊ ልኡኽቶ መጥቀሚ ዝነበሩ ሆቴላት፣ ህንፃታት፣ መኻዚናት፣ ኢንቨስትመንት ሕርሻ፣ ፋብሪካታትን ሪልስቴታትን ሓዊሱ 1 ሺሕን 616 ኣብ ዝኾኑ ትካላት ንግዲ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ተሓቢሩ። ፖሊስ ኣብ ዝገበሮ ሓበራዊ ስራሕ ልዕሊ 58 ሚሊየን ብር ትረ ገንዘብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ብምውዓል 93 ኣካውንት ባንኪ ከይንቀሳቐሱ ብምእጋድ እቶም ኣካውንታት ክንደይ ዘኣክል ገንዘብ ከምዝሓዙ እናተፃረየ ከምዝርከብ ኣመራርሓታት እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ገሊፆም። ኣብ ቀፃሊ ዝስርሑ መርመራትተ ብዝተጠናኸረ ውዳበ ንምስላጥ ንኽሕግዝ ኣብ ዝተዳለወ ትልሚ ሃገራዊ ምርመራ ፖሊስ ኣድሂቡ እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ልዝብ ምግባሩ ካብ ፖሊስ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረደእ፡፡ እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦ ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/ ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ! ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Read more