ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)24 ጥቅምቲ እንትዝከር ሃገራዊ ህልውና ኣብ ምርግጋፅ ታሪክ ዝሰርሑ ጀጋኑ ብምሕሳብ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም ኣዛዚ ማእከላዊ እዚ ዳሎል ሌ/ጄ ዘውዱ በላይ።
ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሰሜን እዚ መጥቃዕቲ ዝተፈፀመሉ ሓምሻይ ዓመት፥ “ከይድገም፣ ፍፁም ኣይንርስዖን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ናይ ማእከላዊ እዚ ኣመራርሓ፣ ኣባላትን ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብን ኣብ ዝተረኸብሉ ብፓናል ዘተ ኣብ ከተማ ጅማ ተዘኪሩ።
ኣብቲ መድረኽ ናይ ሰራዊት ኣባላት፤ ኣብቲ ሰራዊት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብዙሕ ምምዝባል ከምዘስዓበ ኣዘኻኺሮም፤ ናይ ሰላም ዋጋ ምግንዛብ ይግባእ ኢሎም።
ኣብቲ ሰራዊት ዝበፅሐ በደል ንከይድገም ብንቕሓት ምስራሕ ከምዘድሊ እውን ኣገንዚቦም።
ናይቲ እዚ ኣዛዚ ሌተናል ጄኔራል ዘውዱ ብግደኦም፥ እቲ ዕለት እንትሕሰብ ኣብቲ እዋን ዝተፈጠረ ኩነታት ብምኹናን፣ ብክሕደት ብዝባኖም ተወጊኦም መስዋእቲ ዝኸፈሉ ኣባላት ሰራዊት ብምዝካር ክኸውን ይግባእ ኢሎም።
ሕጊ ብምኽባርን ህልውና ሃገር ብምርግጋፅን ታሪክ ዝሰርሑ ኣባላት ሰራዊት ጅግንነቶም ብምዝካር ክኸወን ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።
ህዝቢ ኢትዮጵያ እቲ መጥቃዕቲ ንምኽባስ ዘርኣዮ ውግንና ዝነኣድ ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ምስጋና ኣቕሪቦም።
ብኣቤንኤዘር ታየ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!