241 ተሳፈርቲ ካብ ዝሞቱሉ ሓደጋ ኣውሮፕላን ይትረፍ እምበር ካብ ስቓይ ዘይደሓነ ራሜሽ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ መገደኛታትን ሰራሕተኛታት በረራን ሓዊሱ 242 ሰባት ዝሓዘት ኣውሮፕላን ተሓምሺሻ 241 ዝኾነ ሰባት ህይወቶም ምሕላፉ ይዝከር፡፡

ካብቲ ዘስካሕኽሕ ሓደጋ ብህይወት ዝተረፈ ወዲ 39 ዓመት ቪስዋሽኩመር ራሜሽ፥ ተኣምር ከምዝኾነ ብዝገለፆ ኩነታት ካብቲ ሓደጋ ተሪፉ ብህይወት ብምፅንሑ ዕድለኛ ከምዝኾነ ተዛሪቡ፡፡

ራሜሽ ሓዉ ሓዊሱ ኣብታ ኣውሮፕላን ዝተሳፈሩ ካልኦት ሰባት ኩሎም ኣብ ዝሞቱሉ ዘስካሕኽሕ ሓደጋ ተሪፉ ሎሚ ብህይወት የሃሉ እምበር፥ ብጭንቀት ድሕረ ሓደጋ እናተሳቐየ ይርከብ፡፡

ኣብቲ እዋን ሓገዝ ሕክምና ተገይሩሉ እንግሊዝ ሌስተር ናብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ይመለስ እምበር፥ ብምኽንያት እቲ ጭንቀት ስነ ኣእምሮ ድሕረ ሓደጋ ምስ በዓልቲ ገዝኡ ይኹን ምስ ወዲ 4 ዓመት ውላዱ ንምዝርራብ ተፀጊሙ ኢዩ፡፡

“ኣብ ገዛይ ብሕታዊ ሰብ ኮይነ ኣለኹ፥ ምስ በዓልቲ ጋዘይ ኮነ ምስ ውላደይ ከውግዕ ኣይከኣልኩን፥ ካብ ሰብ ተፈልየ ኣብ ባዶ ክፍሊ ንብሕተይ እየ ዘለኹ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡

“ኣብቲ እዋን ሓደጋ ብዛዕባ ዝነበረ ኩነታት ምዝራብ ኣዚዩ ከቢድ ኢዩ፥ ምንም ክዛረብ ኣይክእልን፥ ምስ ዝኾነ ሰብ ክዘራረብ ኣይደልን፥ ለይቲ ድቃስ የብለይን ክብል” ንሱ የኹን ስድርኡ ዘለዉሉ ኩነታት ስቓይ ዝተመልኦ ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

ካብ ምስኣን ሰላም ኣእምሮ ሓሊፉ ካብቲ እቲ ሓደጋ ንምትራፍ እንትፍትን እግሩን ማእገሩን ሓዊሱ ብዘጋጠሞ ኣካላዊ ጉድኣት ኣብ ሕማም ከምዝርከብ ተዛሪቡ፡፡

ብሃይለማርያም ተገኝ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment