ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)39 ኣባል ሃገራት ዝተሳተፋሉ ጉባኤ ዓቕሚ ስግኣት ሓደጋ ኣፍሪካ (ARC-COP 16) ኣብ ዝቕፅል ረቡዕ ጀሚሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ኢዩ፡፡
ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ እቲ ጉባኤ ብኣሳናዳእነት ኢትዮጵያ ካብ 30 መጋቢት 30 ክሳብ 1 ሚያዚያ 2018 ዓ.ም ከምዝካየድ ገሊፁ።
ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ኣምባሳደር ሽፈራው ተክለማሪያም ነቲ ጉባኤ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ከምዝበሉ÷ ኢትዮጵያ ብሰብኣዊ ሓገዝ ርእሳ ንምኽኣል ትገብሮ ፃዕሪን ዝመፅአ ውፅኢትን ኣብቲ መድረኽ ከም ተሞክሮ ክቐርብ ኢዩ።
ፀገማት ኣፍሪካ ብኣፍሪካውያን ንምፍታሕ ካብ ዝስረሐሎም ዓውዲታት ሓደ ብሰብኣዊ ሓገዝ ርእስኻ ምሕኣል ሓደ ከምዝኾነ ብምፅራሕ÷ ኣብቲ መድረኽ ምርድዳእ ንምፍጣር ልዝብ ከምዝግበር ኣብሪሆም።
ብሰለሞን ይታየው