4ይ ልዑል ፎረም ኢንቨስት ቢዝነስ ኢትዮጵያ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)4ይ ልዑል ፎረም ኢንቨስት ቢዝነስ ኢትዮጵያ ካብ 17 ክሳብ 18 መጋቢት 2018 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ኢዩ፡፡

ኣብቲ ፎረም ልዕሊ 7 ሚኢታዊ ዓለም ለኸ መራሕቲ ቢዝነስ፣ መውፃእቲ ፖሊሲን መሓዙት ትካላት ልምዓትን ዝሳተፉ እንትኾኑ፥ ኢትዮጵያ ንዓውዲ ኢንቨስትመንት ዘለዋ ድሉውነት እተርእየሉ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ንዓውዲ ኢንቨስትመንት ቁልፊ ዝኾኑ ከም ሕርሻ፣ ኣይሲቲ፣ መዓድን፣ ዝሕደስ ሓይሊን ቱሪዝምን ኣብቲ ፎረም ብስፍሓት ከምዝፋለጡ ኮሚሽን ኢትዮጵያ ኢንቨስትመንት ንፋና ዲጂታል ገሊፁ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሞንጎ መንግስቲን ዘፈር ውልቀን ዘተ ፖሊሲን ኢንቨስትመንትን፣ ዘተታት ቢዝነስ ማንዛታት፣ ዓውደ ምርኢት ከምኡ እውን ኣብ ፍሉያት ዞባታት ኢኮኖሚን ኢንዱስትሪ ፓርክታትን መርሃ ግብሪታት ዑደት ኣብቲ ፎረም ተኻቲቶም፡፡

ኣብቲ ፎረም ምህዳር ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ንምዝማን እናተግበረቶ ትርከብ ፎረም ኢኮኖሚ ምምሕያሽን ሓደሽቲ ዕድላት ኢንቨስትመንት ብምፍላጥን ሓዱሽን ናይ መስፋሕፍሒ ኢንቨስትመንት ንምስሓብን ዘኽእሉ ስራሕቲ ከምዝስርሑ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ፎረም ብምትሕብባር ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ፣ ሚንስቴር ገንዘብን መትካላት መሓዙት ልምዓትን ከምዝሰናዳእ ተገሊፁ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment