4ይ ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ድሕንነት መገዲ ኣብ ማራካሽ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ራብዓይ ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ሚኒስትራት ድሕንነት መገዲ ኣብ ሞሮኮ ማራካሽ ምክያድ ጀሚሩ፡፡

መንግስቲ ሞሮኮ ምስ ትካል ጥዕና ዓለም ብምትሕብባር ዘሰናደኦ እቲ አለም ለኸ መድረኽ÷ ዓለም ለኸ መራሕቲ፣ ፖሊሲ መውፃእቲን ሰብ ሞያን ብምትእኽኻብ ኣብ መላእ ዓለም ድሕንነት መገዲ ናይ ምድንፋዕ ሜላታት ብምድሃብ ክዛተ ኢዩ።

ኣብቲ ኮንፈረንስ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)ን ኣካቢ ትራንስፖርትን ኢነርጂን ፍሉይ ቴክኒካል ኮሚቴ ሕብረት ኣፍሪካ ኣይተ ጀማል ኣባሶ ተረኺቦም።

ካብ 11 ክሳብ 13 ለካቲት 2017 ኣብ ዝፀንሕ መድረኽ ዘተ ኣብ ድሕንነት መገዲ ዘለዉ ቁልፊ ማሕለኻታት ንምፍታሕ ምኽክር ከምዝግበር ካብ ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

Comments (0)
Add Comment