ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝተትሓዘ ዓመት ዝካየድ 7ይ ሃገራዊ መረፃ ፍትሓዊ፣ ሰላማዊ፣ ዴሞክራሲያዊን ተኣማኒን ንኽኸውን መንግስቲ ብሓላፍነት ክሰርሕ ኢዩ ኢሎም ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ፡፡
መበል 6ይ መኽፈቲ ስነ ሰርዓት 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ይሳለጥ ኣሎ።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ክልቲአን ኣቢያተ ምኽሪ ዓመታዊ ስረሐን ከምዝጀመራ ብምብሳር መኽፈቲ መደረ ኣስሚዖም፡፡
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ መደረኦም ኣብ ዝተትሓዘ ዓመት ዝካየድ 7ይ ሃገራዊ መረፃ ፍትሓዊ፣ ሰላማዊን ዴሞክራሲያዊን ንኽኸውን መንግስቲ ብሓላፍነት ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፆም፡፡
ከምኡ እውን ሃገራዊ መረፃ ብወገን ኢትዮጵያውያን ዘንድ ተኣማኒ ንኽኸውን ብቆራፅነት ከምዝሰርሕ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!