7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ብዓወት ንኽዛዘም መንግስቲ ኣድላዩ ኩሉ ደገፍ ክገብር እዩ – ኣፈ ጉባኤ ታገሰ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መንግስቲ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ብዓወት ንምዝዛም ዘድሊ ኩሉ ድጋፍ ክገብር እዩ ኢሎም ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ።
“ዳይነትን ዲሞክራሲን ንዕውትነት ትካላትን፤ ዕውት ህንፀት ሃገረ መንግስቲን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ምውህሃድ ትካላት ዳይነትን ዲሞክራሲያውን ትኹረት ዝገበረ ሃገራዊ መድረኽ ተኻይዱ።
ኣይተ ታገሰ ጫፎ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዝተካየዱ መሰረታዊ ለውጢታት ዲሞክራስያዊ ስርዓት እታ ሃገር ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘሰጋገሩ እዮም፡፡
እቲ ቤት ምኽሪ ምዝገባ ፖለቲካዊ ውድባትን ኣዋጅ ስነ-ምግባር መረፃን ብምምሕያሽ እቲ ቦርድ ብዘይ ኢድ ኣእታውነት ብናፅነት ክሰርሕ ምቹው ሃዋህው ምፍጣሩ ገሊፆም።
ትካላት መንግስቲ ብመንፅር ሓይሊ ሰብን ሎጂስቲክስ ክውደብ ልዑል ኣበርክቶ ከምዝገበረን፣ እቲ መረፃ ናፃ፣ ፍትሓውን ዲሞክራስያውን ክኸውን ምቹው ሃዋህው ከምዝፈጠረ ሓቢሮም፡፡
እቲ ቦርድ ዝካየድ ዘሎ ፃዕሪ ተሃድሶ ዘይሻራዊነት ብምርግጋፅ ኣብ ህንፀት ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዓብዪ ግደ ይፃወት ኣሎ ኢሎም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ፌስቡክ FBC Tigrigna
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment