7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ብዘይ ፀገም ፀፅታ ንኽዛዘም እኹል ምድላው ተገይሩ – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ብዘይ ፀገም ፀፅታ ንኽዛዘም እኹል ምድላው ተገይሩ ኢሎም ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ሓላፊ ዋና ቤት ፅሕፈት እቲ ፓርቲን ኣይተ ኣደም ፋራህ፡፡

ፓርቲ ብልፅግና መድረኽ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ ሽዱሽተ ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2018 ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብቲ መድረኽ÷ ከም ገዛኢ ፓርቲ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ዕዉት ንኽኸውንን ብዘይ ፀገም ፀፅታ ንኽዛዘምን እኹል ምድላው ተገይሩ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ኩለን ክልላት መራፃ ዘሎ ኩነታት ሰላም ተገምጊሙ መረፃ ብምክያድ ዘኽእሉ ስራሕቲ ሰላምን ፀፅታን እናተሰርሑ ይርከቡ ብምባል÷ እቲ ፓርቲ ኣብቲ መረፃ ብብቕዓት ንምስታፍ ከምዝተሰናደአ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብዝተወገኑ ስራሕቲ ፓርቲ ብዙሓት ውፅኢታት ከምዝተመዝገቡን ተሞክሮ ዝተወሰደሎም ከምዝኾኑን ሓቢሮም፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment