ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ)7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ንኢትዮጵያ ስግግር ዴሞክራሲ መሰረት ዘንብር ኢዩ ኢሉ፡፡
መራሒት ጉጅለ ተዓዛቢ መረፃ ኢጋድ ስፔሱዌሳ ዋንዳራ ካዙቤ ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኢጋድ ዝገበሮ ግደ ምዕዛብ ኣመልኪተን መግለፂ ሂበን፡፡
ኣብ መግለፂአን ከምዝበለኦ÷ ኢጋድ ካብ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ብዝቐረበሉ ዕድመ መሰረት ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ናይ ምዕዛብ እጃሙ እናተዋፀአ ፀኒሑ።
ኢጋድ 11 ኣባላት ተዓዘብቲ ኣብ ዝተፈላለያን ምምሕዳር ከተማታትን ብምውፋር እቲ መረፃ ከምዝተኸታተለ ብምሕባር÷ ከይዲ መሃብ ድምፂ ብዝምልከት ምስ ኣመራርሓ ተናሓናሕቲ ፓርቲታን ምስ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን ምዝታዩ ገሊፀን፡፡
ኢጋድ ኣብ ዝነበሮ ትዕዝብቲ ልዕሊ 54 ሚሊየን መረፅቲ፣ ልዕሊ 10 ሺሕን ሕፁያትን ልዕሊ 42 ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ፓለቲካን ኣብቲ መረፃ ከምዝተሳተፉ ተዛሪበን፡፡
ፀገም ፀፅታ ካብ ዘለዎም ክልላት ትግራይን ሒደት ከባቢታት ኣምሓራን ወፃእ ኣብ ካልኦት ከባታት መረፃ ከምዝተገበረ እውን ኣልዒለን።
ናይ መረፃ ትምህርቲ ንመሃብ 169 ሲቪል ማሕበራት ከምዝተዋፈሩ ብምሕባር÷ መራኸብቲ ሓፋሽ ንፓርቲታት ዝሃበኦ ድልድል ኣየር ሰዓት ኣሳታፋይነት ንምርግጋፅ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ኢጋድ ኣፍልጦ ይህብ ኢለን፡፡
7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ስርዓት መድብለ ፓርቲ ዘለዎን ኣካታታቲ ምዃኑ ዘረጋገፀን ከምዝነበረ እውን ኣብሪሀን።
ብሚኪያስ ኣየለ