ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)7ይ ጉባኤ መራሕቲ ኣፍሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ካብ ዝቕፅል ሰኑይ ጀሚሩ ኣብ ኣንጎላ ክካየድ ኢዩ፡፡
ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ሶፊ ፍሮም እቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ ምሕዝነት ክልቲአን ትካላት 25 ዓመታት ከምዘቑፀረ ኣዘኻኺሮም።
ኣብቲ ጉባኤ በዓል ብዙሕ ወገን ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሕብረት ኣፍሪካ፣ መራሕቲ ሃገራት እቲ ሕብረት፣ ፕሬዚዳንት ኮሚሽን ኣውሮፓን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ሕብረት ኣውሮፓን ክርከቡ ኢዮም፡፡
ሰላም፣ ድሕንነት፣ ምትእስሳር ኢኮኖሚ፣ ንግዲ፣ ኢንቨስትመንት፣ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን፣ ዘይብዳህ ክሌማዊ ለውጢ ምህናፅን ልምዓት ሓይሊ ሰብን ኣጀንዳታት እቲ መርሃ ግብሪ ኢዮም፡፡
ብየሻምበል ምህረት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!