ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ 80 ሚኢታዊ እታወታት መሰረተ ልምዓት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ካብ ናይ ውሽጢ ሃገር ኣቕረብቲ ንምምላእ ተኻኢሉ ኢሉ።
ፈፃሚ ስራሕ ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን ኣንዋር ኣብራር ንፋና ዲጂታል ከምዝበልዎ፤ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝርከቡ ኩባንያታት ፅሬቶም ዝሕልው ዝተፈላለዩ እታዎታት ንምቕራብ ቀዳምነት ተዋሂብዎም።
እዚ ድማ መንግስቲ ዝጀመሮ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ንምትብባዕን ውሽጢ ሃገር ኢንቨስትመንት ንምድንፋዕን ዝዓለመ ምዃኑ ሓቢሮም።
ካብቶም ዝቐረቡ እታዎታት መሰረተ ልምዓት ኤሌክትሪክ ሓደ ናይ ዲስትሪቢዩሽን ትራንስፎርመር እንትኾን፤ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ 3 ሺሕን 944 ትራንስፎርመራት ናብ ኣፍረይቲ ውሽጢ ዓዲ ቀሪቦም ንግልጋሎት በቒዖም።
ብተመሳሳሊ ልዕሊ 32 ሽሕ ኢንሱሌተራት፣ ልዕሊ 97 ሽሕ ፕሮቴክሽን ትራንስፎርመር፣ ልዕሊ 32 ሽሕ ሜትሮ ኮንዳክተራትን ኬብላትን ከምኡ እውን ልዕሊ 201 ሽሕ ዝተፈላለዩ ሃርድዌር ኣቑሑት ብናይ ውሽጢ ዓዲ ቀረብ ተሸፊኖም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!