ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 38 ሰሙን ሴሪ ኤ ጣልያን ሎሚ ምሸት ዝካየዱ ፀወታታት ትፅቢት ይግበረሎም።
ብ79 ነጥቢ ነቲ ሴሪ ኤ እናመርሐት ትርከብ ናፖሊ ምሸት ሰዓት 3፡45 ኣብ ሜድኣ ንካግሊያሪ ከተተኣንግድ ኢያ።
ብኣሰልጣኒ ኣንቶኒዮ ኮንቴ ትምራሕ ናፖሊ ኣብ ናይ ሎሚ ፀወታ እንተተዓዊታ ኣብቲ ንሕንሕ ናይ እትርከብ ኢንተር ሚላን ውፅኢት ከይተፀበየት ሻምፒዮን ምዃና ከተረጋግፅ እያ።
ካብ ናፖሊ ብሓደ ነጥቢ ትሕት ኢላ እትርከብ ኢንተር ሚላን ካብ ሜዳኣ ወፃእ ምስ ኮሞ ብተመሳሳሊ ምሸት ሰዓት 3፡45 ክትገጥም ኢያ።
ብኣሰልጣኒ ሲሞን ኢንዛጊ እትምራሕ ኢንተር ሚላን ብ78 ነጥቢ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትርከብ።
ኢንተር ፅዋዕ እቲ ሊግ ንምዕታር ናይ ባዕላ ፀወታ ካብ ምስዓር ብተወሳኺ ናይ ናፖሊ ነጥቢ ምድርባይ ክትፅበ ትግደድ ኢያ።
ናፖሊ ኣብ ውድድር ዘበን 2022/23 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ብኣሰልጣኒ ሉቻኖ ስፓሌቲ እናተመርሐ ድሕሪ 30 ዓመታት ክብሪ እቲ ስኩዴቶ ምርካባ ይዝከር።