ማሕበረሰብ ንግዲ ንሃገራዊ ብልፅግና ዝገብሮ ተሳትፎ ከሐይል ኣለዎ - ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ማሕበረሰብ ንግዲ ንሃገራዊ ብልፅግና ንምርግጋፅ ዝገብርዎ ተሳትፎ ኣጠናኺሮም ክቕፅሉ ይግባእ ኢሎም፡፡

ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ማሕበረሰብ ንግዲ ፌዴራል “ግደ ኩለመዳያዊ ብልፅግና ንማሕበረሰብ ንግዲ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ እዋን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፤ ኩለን ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ኣብ ዝተኻየዱ መድረኻት ልዕሊ 600 ሺሕ ኣባላት ማሕበረሰብ ንግዲ ከምዝተሳተፉ ኣረዲኦም፡፡

ማሕበረሰብ ንግዲ ኣብ ህንፀት ሃገር፣ ንምምሕያሽ ህይወት ዜጋታትን ኢኮኖሚያዊ ዕብየትን ዘለዎ ግደ ልዑል እዩ ኢሎም።

እዙይ ንምጥንኻር መንግስቲ ምስ ማሕበረሰብ ንግዲ ብዝበለፀ ተቀራሪቡ ከምዝሰርሕ ተዛሪቦም፡፡

ኣባላት ማሕበረሰብ ንግዲ ኣብ ሃገራዊ ልምዓት ዝገብርዎ ተሳትፎ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ብሃይለማርያም ተገኝ

 

Comments (0)
Add Comment