ጋንታ ማንቼስተር ዩናይትድ ኣብ ታሪኻ ልዑል ኣታዊ ረኺባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ማንቼስተር ዩናይትድ ኣብ ዝተዛዘመ ዓመተ ውድድር 666 ነጥቢ 5 ሚሊየን ፓውንድ ኣታዊ ምርካባ ዕላዊ ገይራ፡፡

ኣብ ቅልውላው ውፅኢት ትርከብ ጋንታ ማንቼስተር ዩናይትድ ኣብ ታሪኻ ልዑል ኣታዊ ከምዝረኸበት ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

ንሓሽተ ዓመታት ካብ ማልያ ስፖንሰር ምስ ዝኾነ ስናፕድራገን ዝገበሮ ስምምዕነት እታ ጋንታ ልዑል ኣታዊ ክትረክብ ከምዘኽአላ ተሓቢሩ፡፡

ዋና ፈፃሚ ስራሕ እታ ጋንታ ኦማር ቤራዳ፤ እታ ጋንታ ኣብ ፈታኒ እዋን ኮይና ሪከርድ ዝኾነ ኣታዊ ምርካባ መለለዪ ማንቼስተር ዩናይትድ ፅፅንዓት ዘርኢ ኢዩ ኢሎም፡፡

ኣብ ዘበነ ውድድር 2025/26 እታ ጋንታ ብኩሉ መዳይ ንምምሕያሽ በርቲዖም እናሰርሑ ከምዝርከቡ እውን ተዛሪቦም፡፡

ማንቼስተር ዩናይትድ ኣብ ዝተዛዘመ ዓመተ ውድድር ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ መበል 15 ደረጃን ሒዛ ምዝዛማ ይፍለጥ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment