ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ወሎ ወረዳ ደሴ ዙርያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት 12 ሰባት ሓሊፉ።
ኣዛዚ ፖሊስ እቲ ወረዳ ኮማንደር መሓመድ ሰይድ ንፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ከምዝበልዎ፣ ሎሚ መበገሲኣ ካብ መካነ ሰላም ዝገበረት ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ መኪና ኣብ ከባቢ ወረዳ ደሴ ዙርያ ፍሉይ ሹሙ ዳባ መግለቢያ ሓደጋ በፂዋ።
በቲ ሓደጋ 12 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት 49 ድማ ከቢድን ቀሊልን መጉዳእቲ ከምዘጋጠሞም ሓቢሮም።
እቶም ዝተጎድኡ ተሳፈርቲ ሕክምና ይግበረሎም ከምዘሎን መንቀሊ እቲ ሓደጋ ኣብ ምፅራይ ከምዘሎን ሓቢሮም።

 

ብከድር መሓመድ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Facebook FBC Tigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
Comments (0)
Add Comment