ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀትሪ ሓፂር ለይቱ ድማ ነዊሕ ዝበሃል ፀሓይ ልደት ዑደት ሕምባበ መሬት ዝፈጥሮ ከምዝኾ ኣብቲ ዓወዲ ዝተዋፈሩ ሊቃውንቲ ስነ ፈለክ ይሕብሩ።
መሬት ኣብ ናይ ባዕላ ዘንጊ ኣብ ዙሪያ ፀሓይ ምሕምባባ ንምፍርራቕ ቀትን ለይቲን ከምኡ እውን ንፍልልይ ወቕቲታት መመበሲ እንትኸውን÷ ናይ መሬት 23 ነጥቢ 5 ዲግሪ ዝምብል ምባል እውን ሓደ ምኽንያት ኣፈላላያት ከምዝኾነ ይግለፅ።
ብኣቆፃፅራ ሰዓት ዓለምና ኣፈላላይ ክረምቲን ሓጋይን፣ ቀውዒን ፅድያን ዝረኣዩ እውን በዚ ምኽንት ከምዝኾነ ምሁራን እቲ ዓውዲ የመላኽት።
መጋቢትን መስከረምን ቀትሪን ለይቲን ማዕረ ኢዩ፤ ኣብ ጥቅምቲ ድማ ቀትሪ 11 ሰዓት እንትኸውን ለይቲ ድማ 13 ሰዓት ይኸውን።
ወርሒ ሕዳር እንትኣቱ ድማ ቀትሪ 10 ለይቲ 14 ሰዓት ከምዝኸውን ኣብቲ ዓውዲ ዝተገበሩ መፅናዕቲታት የርእዩ። ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ድማ ቀትሪ 9 ለይቲ 15 ሰዓት ይኸውን እሞ ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ኣብ ዘለዉ ኣዋርሕ ቀትሪን ለይቲን ምትዕርራይ ይጅምር።
ኣዋርሕ ኣብ እዋን ዑደቶም ምንዋሕ ቀትሪን ለይቲን ሓደ ሓደ ግዘ ድማ ማዕረ ምዃን ተፈራሪቖም እናተቐባበሉ ዓመት ይጓዓዙ። ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ግን ስያመ እቲ ወርሒ ንልደት ብመሃብ ፀሓይ ልደት እናተብሃለ እንትፅዋዕ ይስማዕ።
መምህርን ተመራማሪን ሃገር በቆል ፍልጠታት ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ኮተቤ ጌትነት ፈለቀ (ዶ/ር)፤ ፀሓይ ልደት እንትንብል ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ፀሓይ ቶሎ ትፀድቕ ወይ እውን ቀትሪ ነዊሕ ኣይኮነን ዝብል ቀጥተኛ ትርጉም ከምዘለዎ ንፋና ዲጂታል ተዛሪቦም።
እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ መሬት ዝምበል ብምባል ኣብ 23 ነጥቢ 5 ዲግሪ ስለትውዕል እዋናት ከምኡ እውን ቀትን ለይቲን ንኽቀያየር ከምዝገብር ኣብሪሆም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን መሬት ብደቡቡ ክፍሊ ናብ ፀሓይ ምዝምባላ ስዒቡ እዚ ከባቢ ነዊሕ ፀሓይ ከምዝረክብን ኣብ ሰሜን ክፋል ድማ ቀትሪ እናሓፀረ ፀልማት (ለይቲ) እናነውሐ ከምዝኸይድ ተዛሪቦም፡፡
በዚ ድማ ኢትዮጵያ ካብ ሕምብርቲ ምድሪ ናብ ሰሜናዊ ክፍሊ ስለትርከብ ቀትሪ ከምዝሓፅር የርኢ ኢሎም።
ብኣድማሱ ኣራጋው
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!